ሕቶ(30): ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዘሎ ሕጊ ፍርዲ ምግባር ከመይ እዩ ኩነታቱ?
መልሲ:
ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዘሎ ሕጊ ፍርዲ ምግባር ናብ ክልተ ይምቀል:
ቀዳማይ: እቲ ናይ አላህ ሕጊ ደርቢዩ ኻሊእ ሰብ ስራሕ ዝኾነ ሕጊ ብሸሪዓ ፍርዲ ምሀብ ክሳብ ዝተርፍ መተካእታ ዝገበረ፤ ከምዘን አብ ሞንጎ ደቅ ሰባት ንዘጓንፉ ዛዕባታት ሕጊ አላህ ሸለል ኢሎም ብኻሊእ ሰብ ስራሕ ሕጊ ዝትክኡ ሰባት፤ እዚ ብናይ ሕጊ አላህ ኻሊእ ሕጊ ከምዝተከአ ብዘየማትእ ብሩህ እዩ። እዚ ኸዓ ካብ እስልምና ዘውፅእ ኽሕደት እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሰብ ንባዕሉ ከም ጎይታ ሕጊ ዝሕንፅፅ ስለዝገበረ እዩ። ፍቃድ አላህ ዘይረኸበሉ ሕጊ ናይ ምሕንፃፅ መሰል ንባዕሉ ስለዝሀበ እዩ። እኳደአስ ሕጊ አላህ ዝፃረር ኮይኑ አብ ሞንጎ ደቅ ሰባት ፍርዲ ዝወሃበሉ ሕጊ ንዝገበረ ንባዕሉ ሸሪካ ናይ አላህ ከምዝገበረ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ካብ ሀይማኖት ረቢ ዘይፈቀደሉ ዝሕንፅፁሎም ሸሪካታት አለውዎም ዶ?” (ሹራ 21) ብምባል ሓቢሩና እዩ።
እቲ ኻልአይ ዓይነት: እቲ ልዑል ሕጊ ሕጊ ናይ አላህ ኮይኑ፣ እቲ ዝወሃብ ፍርዲ `ውን ብዙርያ ሕጊ ናይ አላህ ኾይኑ ከሎ ሓደ ውልቀሰብ ብናይ ሰብ ስራሕ ሕጊ ፍርዲ ዝህብ እንተኾይኑ፤ ነዚ ሰብ ዚ ሰለስተ ዓይነት ኩነታት ይህልዎ፥
ቀዳማይ ኩነት: በቲ ሰብ ስራሕ ብዝኾነ ሕጊ እንትፈርድ ካብ ሕጊ አላህ (ሸሪዓ) ዝሓሸ ረብሓ ዘለዎ እዩ ኢሉ፤ ወይ ምስ ሕጊ አላህ ሓደ እዩ ኢሉ፤ ወይ ኸዓ ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዝኾነ ሕጊ ምፍራድ ይከአል እዩ ኢሉ ስለዝአምን እንተኾይኑ እዚ ካብ እስልምና ዘውፅኦ ኩፍሪ ይኸውን። ምኽንያቱ ብሕጊ አላህ አሚኑ ስለዘይተቀበለን አላህ አብ ሞንጎ ባርያታቱ ዳኛ ንምዃኑ ብተግባራዊ መረጋገፂ ስለዘየረጋገፀን እዩ።
ኻልአይ ኩነት: በቲ ሰብ ስራሕ ብዝኾነ ሕጊ እንትፈርድ ሕጊ አላህ ብሉፅን ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎን እዩ ኢሉ ምስምእማኑ፤ እዚ አብ ዝገብረሉ እዋን ኸዓ ካብ መንገዲ አላህ እናጠሓሰ ከምዝኾነ አሚንሉ፤ ግን`ከ ብግዜያዊ ፅልኢ እቲ በዓል ዋኒን ተሸንጊሉ፣ ወይ ብዝአምሰሉ ምኽኒያታት እምበር ሕጊ አላህ ብምፅላእ ወይ ብኻሊእ ሕጊ መታካእታ ንምግባር ድላዩ ስለዝኾነ፣ ወይ ካብ ሕጊ አላህ ዝሓሸ ወይ ማዓረ እዩ ኢሉ፣ በዚ ሕጊ ሰብ ምፍራድ ይከአል እዩ ኢሉ ስለዝአምን እንተዘይኾይኑ እዚ ዳኛ ዟሊም (ዝዕምፅ) እዩ ንብል እምበር ካፊር እዩ አይንብሎን።
ሳልሳይ ኩነት: በቲ ሰብ ስራሕ ሕጊ እንትፈርድ ሕጊ አላህ ብሉፅን ንባርያታቱ ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎን እዩ ኢሉ አሚንሉ፣ በዚ ሕጊ ፍርዲ ክህብ ከሎ ኸዓ ካብ ዶብ አላህ እናጠሓሰ ከምዘሎ አሚንሉ፣ ግን ከ ብምኽንያት ነፍስያ ተሸንጊሉ፣ ወይ ንበዓል ዋኒን ወይ ንባዕሉ ጥቕሚ ክረኽበሉ ስለዝደለየ ጥራይ እንተኾይኑ እዚ ካብ አላህ መንገዲ ምውፃእ (ፊስቂ) ይበሃል። በዘን ዝሓበርናየን ድማ ኢና “ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዘሎ ሕጊ ፍርዲ ዝህብ እዚኦም እዮም እቶም ካፊራት።” (ማኢዳ 44) ዝብል ነቲ ናይ መጀመርታ ኩነት “ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዘሎ ሕጊ ፍርዲ ዝህብ እዚኦም እዮም እቶም ዟሊማት።” (ማኢዳ 45) ዝብል ነቲ ኻልአይ “ረቢ ካብ ዘውረዶ ወፃኢ ብዘሎ ሕጊ ፍርዲ ዝህብ እዚኦም እዮም እቶም ፋሲቃት።” (ማኢዳ47) ዝብል ቃል አላህ ድማ ነቲ ሳልሳይ ኩነት ከምዝኾነ ንርዳእ።
እዚ ዋኒን አብዚ ዘለናሉ እዋን ሓደገኛ ካብ ዝበሀሉ ዛዕባታት ሓንቲ እያ። ምኽንያቱ አብ ሞንጎ ሰባት (ሙስሊም ኮይኖም) በዚ (ሰብ ስራሕ) ሕጊ ዚ ብዓይኒ ሞሳን ጥሒሎምን ዝርእይዎን ሕልፍ ኢሎም ድማ ካብ ሕጊ አላህ (ሸሪዓ) ዘብልፁዎን ስለዘለው እዩ። ሕጊ አላህን ረሱልን (ሸሪዓ) ክሳብ መወዳእታ ዕለት ቀዋምን ነባርን ከምዝኾነ ከምዘይፈልጡ ማለት እዩ። ምኽኒያቱ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ክሳብ መወዳእታ ዕለት ንዘሎ ናብ መላእ ፍጥረት ዝተልአኹ እዮም። ንዑኡ ዝለአኾ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዕለት ንዘለዎም ኩነታት ባርያታቱ አፀቢቁ ፈላጥ ዝኾነ ጎይታ እዩ። ስለዚ ደአ ከመይ ገይሩ ክሳብ መወዳእታ ዕለት ንዘለው ባርያታቱ ከም ዱኒያ ይኹን ከም ዲን/ሀይማኖት ዘይዕሪ ሕጊ የውፅአሎም? ክኸውን አይኽእልን። አብ እዋን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተገበረን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ሕጊ ዘቐመጡሉን ኮይኑ አይ እዚ ሕጊ ነብይና ነዚ ዘለናሉ እዋን አይዕሪን ነዚ እዋን ዝዕሪ ሕጊ ኻሊእ ካብ ናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሸሪዓ ወፃኢ እዩ ዝበለ (ኩፍሪ ክኾኖ ብዝኽእል) ብሩህ ብዝኾነ ጌጋ እዩ ዘሎ። በቲ ዛዕባ አመና ክሕስበሉ፣ ተጣዒሱ ናብ አላህ ኽምለስ (ተውባ ኽገብር)ን ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ከምለስን ይግበኦ።