Back to Top

ሕቶ(34): ብዛዕባ ተንጂምን ዘለዎ ፍርዲን ተንፈልጥ ደስ ምበለና?
መልሲ:

“ተንጂም” ዝብል ቃል ዓረብኛ “ነጅም” ካብ ዝብል ቃል ዝመፀ እንትኸውን ትርጉሙ ኸዓ “ኮኾብ” ማለት እንትኾን “ተንጅም” ማለት ድማ ሰማያዊ ብዝኾነ ናይ ኮኾባት ኩነት ነቲ ምድራዊ ኩነታት ንምግማት መወከሲ ምግባር ማለት እዩ። ማለት `ውን ሓደ አብዚ ምግባር ዝርከብ ሰብ አብ ምድሪ ንዘጓንፉ/ንዘጓነፉ ተጓንፎታት ናይ ኮኾብ ምንቅስቓስ፣ ቁመት፣ ንውሓት፣ ምውፃእ፣ ምእታው፣ ምእካብ፣ ምዝርጋሕን ዝአምሰሉን ከም መበገሲ ጌሩ ክዛረብ ከሎ ማለት እዩ። “ተንጂም” ካብ ዓይነታት ሲሕሪ ዝኾነ ክልኩል ነገር እዩ። ምኽኒያቱ ድማ መሰረት አብ ዘይብሉ ጥርጣረ ዝተደረተ ብምዃኑ እዩ። አብ ሰማይ ዝተፈጥረ ኩነት ምስ ኩነታት ምድሪ ዘራኽቦ ነገር የለን። ስለዚ ድማ እዩ ከም እምነት ጃሂሊያ ግርደተ ፀሓይን ወርሒን ሓደ ዓብይ ሰብ እንተሞይቱ ጥራይ እዩ ዘጓንፍ ዝብል ስለዝኾነ ውላድ ነቢይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢብራሂም አብ ዝሞተሉ እዋን ሰባት ኢብራሂም ረድየሏሁ ዓንሁ ስለዝሞተ እያ ግርደተ ፀሓይ ዘጓነፈትና ዝበሉ። ሽዑ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስሰምዑ ሶላተል ኩሱፍ አስጊዶሞም ኹጥባ አብ ዝገብሩሉ እዋን “ግርደተ ፀሓይን ወርሒን ካብ ምልክት አላህ ዝኾኑ ተአምራት ጥራይ እምበር ንሞት ወይ ህይወት ሓደ ሰብ ኢሎም ዘጓንፉ አይኮኑን።” (24) ኢሎም ብምባል እዚ እምነት ዚ ግጉይ ከምዝኾነን ኩነታት ኮኾብ ምስ ኩነታት ምድሪ ዘራኽብ ምትእስሳር ከምዘየለን አረደኡዎም። በዚ መንገዲ “ተንጂም” ዓይነት ሲሕር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ሰባት ንዘየድሊ መሰረት ዘይብሉ ዘይውዳእ ጥርጣረን ሓሳብን ዕሽነትን የቃልዖም።

እዚ ክንብል ከለና ግን ዝተፈለየ ዓይነት ተንጂም `ውን ከምዘሎ እናሓበርና ኢና። እዚ `ውን ሰባት ብኩነታት ኮኾብ ተደሪቶም ብዛዕባ እዋኑን ዝአምሰሉን ሓበሬታት እንተረኺቦም ፀገም የብሉን። ንአብነት ንአብነት “ኸምዚ ኸምዚ ዝበለ ኮኾብ እንተአቲው እዋን ዝናብ እዩ ማለት እዩ።” ፣ ወይ “… እዋን አዝርአቲ እዩ።” ፣ ወይ እዚአን ዝአምሰላ ዓይነት እንተኾይኑ ፀገም የብሉን።

እዋናዊ