ሕቶ(52): ድሕሪ ነብይና ሙሓመድ ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እቲ ህዝቢ ናብ ክንደይ ተመቓቂሉ?
መልሲ:
ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብኦም ብዝመፀ ሶሒሕ ሓዲሥ አይሁዳት ናብ ሰብዓን ሓደን ከምዝተመቃቀሉ፤ ክርስቲያን ናብ ሰብዓን ክልተን ተመቃቂሎም፤ እዚ ኡማ (ህዝበ ሙስሊሙ) ድማ ናብ ሰብዓን ሰለስተን ከምዝመቃቀል ተዛሪቦም። እዚኦም ተመቃቀልቲ ኸዓ ኩሎም ዝምለሱሉ ናብ ሓዊ ከምዝኾነን እታ ሓንቲ ጥራይ ከምዝትተርፍን እዚአ ኸዓ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ሰዓብቱን ዝነበሩላ መንገዲ ስዒቦም ዝኸዱ ከምዝኾኑ አፍሊጦምና እዮም። (30) ካብተን ሰብዓን ሰለስተን ሓንቲ ዝኾነት እዚአ ድማ ብዱኒያ ካብ ቢድዓ ብአኼራ ካብ ሓዊ ነፃ ትወፅእ ፊርቀቱ ናጅያ ከምዝኾነት ሓቢሮምና እዮም። ንሳ ድማ ጧኢፈቱል መንሱራ ዝኾነት ክሳብ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ሓቂ ልዕል አቢላ ረድኤት አላህ ትረክብ እያ።
እዚአን ናብ ሰብዓ ሰለስተ ሰብዓክልቲአን ግጉይ ኮይን እታ ሓንቲ በይና ሓቂ ኮይነን ዝተመቓቀላ ገለ ሰባት ክቆፅርወን ፈቲኖም እዮም። መቦቆል እዚኦም ጉጅለታት ሓሙሽተ ገይሮም ንሕድሕድ መቦቆል ኸዓ ጉጅለታት እናገበሩ ናብዚ ቁፅሪ ኸብፅሑዎ ፈቲኖም ኔሮም። ሓደ ሓደ ዑለማታት ግን እቲ ምቁፃር ግቡእ ከምዘይኾነ እዮም ዝገልፁ። ምኽኒያቱ እዚአን ዝተቆፀራ ጥራሕ እየን ግጉይ መንገዲ ዝኸዱ ክንብል ስለዘይንኽእል እዩ። እኳደአስ ድሕሪ ምቁፃሮም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ግጉይ መንገዲ ዝኸዱ ሰባትን ጉጅለታትን `ውን ተፈጢሮም እዮም። እዘን ዝቁፀራ ጉጅለታት እዚአን እየን ኢልካ መወዳእታ ምግባር ከቢድ እዩ፤ ቁፅረን ክፍለጥ ዝኽእል ድማ አብ መወዳእታ መዓልቲ ጥራይ እዩ።
እቲ ዝሓሸ ከምቲ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓፈሻ ዝገለፁልና ብሓፈሻ እዚ ኡማ ናብ ሰብዓን ሰለስተን ጉጅለ ከምዝመቃቀላን ብዜካ ሓንቲ ኩለን ናይ ሓዊ ምዃኖምን ምግላፅ እዩ ዝሕሽ። እታ ሓንቲ በይና ነፃ ከምትኾን ዝተብሀለላ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለምን ሱሓበታቱን ዝነበሩላ መንገዲ ካብኮነት ንዓአ ዝፃረር መንገዲ ኩሉ በዚአን ግጉይ ጉጅለታት ከምዝምቀል ንገልፅ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብዚ ዝተጠቐሙሉ አገላልፃ `ውን ብመሰረት አባህላ ሓደ ሓደ ዑለማታት ኢስላም ዓርሱ ዝኸአለ መሰረት ዘለዎ አቆፃፅራ ክህልዎ ይኽእል እዩ ።