ሕቶ(91): እቲ ኢማም ውዱእ ምፍራሱ ዝፈለጠ ድሕሪ ምውዳእ ሶላት እንተኾይኑ ንሱን ተኸተልቱን ኻልአይ ምስጋድ ግድን ይኾኖ ዶ ንዝብል መብርሂ ተሀብኹምና ደስ ምበለና?
መልሲ:
ፍርዱ እቲ ኢማም ሶላቱ ንኽደግማ ግድን ይኾኖ። እቶም መእሙም (ተኸተልቲ) ግና ኻልአይ ናይ ምስጋድ ግዴታ የብሎምን።. ምስጀማዓ ስለዝሰገዱ ናይ ጀማዓ አጅሮም `ውን ረኺቦም አለው። ውዱእ ዘይገበረሉ ወይ ኸዓ ነብሱ ዘይተሓፀበሉ ምኽንያት ማይ ንምጥቃም ብዘይምኽአሉ እንተኾነ ተየሙም መማረፂ ከምዝኸውን ዝሕባእ አይኮነን። ማይ ምጥቃም አብ ዘየመቸወሉ እዋን ተየሙም (ብሓመድ አእዳውን ገፅን ምሕባስ) ክንድ ማይ ይኸውን። ሓደ ሰብ ንአብነት ማይ ተዘይረኺቡ ወይ ከዓ ብሰንኪ ሕማም ማይ ክጥቀም እንተዘይኽኢሉ ተየሙም እናገበረ ወላ እዋን ተየሙም ሓሊፉ ንአዋርሕ ይፅናሕ ሶላቱ ልክዕ እዩ። ማይ ንምጥቃም አብ ዘፀግመሉ እዋን ተየሙም ክንድ ማይ ይኸውን እንተይልና ድማ እዋን ተየሙም እንተሓሊፉ `ውን ጡሀራኡ ክሳብ ዘይጠፍአ ንኻሊእ ሶላት ኻልአይ ተየሙም ዘየድለዮ ጡሀራ ከምዝኾነ ይተርፍ። አላህ አብ ሱረቱ ማኢዳ ብዛዕባ ተየሙም “አላህ `ውን በአኹም ፀገምኩም ዝደሊ አይኮነን። ግን ንኽተመስግኑዎ ፅርየትኩምን ብናቱ ፀጋ ክመልአልኩምን እዩ ዝደሊ።” ማኢዳ 6 ከምዝበሎ።