Back to Top

ሕቶ(23): ካብ ዓንዲታት ኢማን ሳልሳይ በፂሕና?
መልሲ:

እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ካብ ረቢ ብዝመፁ መፅሓፍቲ ምእማን እዩ። ረቢ ናብ ልኡኹ ብዘውረዶም ማለት እዩ። አብ ቁርአን ብተዘዋዋርነት ከምንረደኦ ዋላ ሓደ ልኡኽ ረቢ የለን መፅሓፍ ዝተውሀበ እንተኾይኑ እምበር ፤ አላህ ብቁርአኑ ልኡኻትና ብሩህ ብዝኾነ መርትዖ ልኢኽና፤ ሰባት ምእንቲ ቅኑዕ ክኾኑ መፅሓፍትን ሚዛንን ንዖኦም አውሪድና። (ሓዲድ 25) ከምኡ `ውን ብተወሳኺ ሰባት ሓደ ህዝቢ ነይሮም (ተፈላለዩ)፤ አላህ ኸዓ ንነቢያት ምስ አዋጅ ብስራትን መጠንቀቕታን ገይሩ ለአኸ፤ በቲ ዝተፈላለዩሉ ፍርዲ ንኽህብ መፅሓፍቲ አብቶም ሰባት ብሓቂ አውረደ።… (በቀራ 213)

በዚአን መፅሓፍቲ ንአምነሉ መንገዲ ብሓፈሻን ብፍሉይን እዩ። ነተን ብፍሉይ ዝፈለጥናየን ከምኒ ተውራት፣ ኢንጂል፣ ዘቡር፣ ሱሑፍ ኢብራሂምን ሙሳን ቁርአንን ብፍሉይ ንአምነለን። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ብሓፈሻ ንአምነሉ። ምኽንያቱ አላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ሓንቲ ነፍሲ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ስለዘየገድዳ። ይኹን ደአ`ምበር በዚአን መፅሓፍቲ ከመይ ኮይንና ኢና ንአምን? በዚአን መፅሓፍቲ ንአምኖ ካብዚአን መፅሓፍቲ ካብ አላህ ንምምፃኡ ብናትና ቁርአንን ሓዲሥን ሓቂ ንምዃኑ ዝፈለጥናዮ ዛንታ ካብ ረቢ ዝመፀ ስለዝኾነ ንክንአምነሉ ግቡእና እዩ። እተን ሕግታት ኸዓ ማለት `ውን አብ ውሽጡ ዘለዋ መምርሒታት ግን አብ ቁርአን ክሳብዘየለ መምርሒና ኮይኑ ንግደደሉ አይኮነን። ካብኡ ዝረኸብናዮ ሓቂ ድዩ ጌጋ እንተዘይፈሊጥናዮ ድማ ሓቂ ንምዃኑ ክሳብ ነረጋግፅ “ሓቂ እዩ” “ጌጋ እዩ” ከይበልና ንዕቀብ። ብምኽንያት ዝተገበረሉ ምብራዝ፣ ምቕያር፣ ምውሳኽን ምቕናስን።

እዋናዊ