Back to Top

ሕቶ(44): አስማትን መግለፅታትን አላህ ኢልሓድ ምግባር (ምጥዋይ) ማለት እንታይ ማለት እዩ?
መልሲ:

ናይ ኢልሓድ ከም ቋንቋ ዓረብኛ ዘለዎ መሰረታዊ ወይኸዓ ቋንቋዊ ትርጉም ምጥዋይ ማለት እዩ። ከምቲ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ.( لِسَانُ الَّذِي يُلْحِدُونَ إِلَيْهِ أَعْجَمِيٌّ وَهَذَا لِسَانٌ عَرَبِيٌّ مُبِينٌ)(النحل: 103) አብ ዝብል ዓንቀፅ “ምጥዋይ” ብዝብል ትርጉም ከምዝተጠቐመሉ ማለት እዩ። ንለሕዲ ቀብሪ “ለሕድ” ብዝብል ቃል ዝተገለፀሉ ምኽኒያት `ውን ናብ ሓደ አንፈት ድንን ስለዝብል እዩ። እዚ ኢልሓድ ንብሎ (ምጥዋይ) ክንፈልጥ ንኽእለሉ መንገዲ ድማ ቅኑዕ እንተፈሊጥና ጥራይ እዩ። ከምቲ “ነገራት ብተፃራሪአን ብሩህ ይኾና” ዝበሀል፤ ከም አስማትን መግለፅታትን አላህ እቲ ቅኑዕ ንብሎ መንገዲ ከምቲ ዘሕለፍናዮ መሪሕ ቃል አህሉ ሱና ወልጀማዓ ነተን አስማትን መግለፅታትን በተን ዝተገለፃሉ ኩነታት ንአላህ ዓዘ ወጀል ብዝግበኦ ከምዘሎ ብዜካ “ተሕሪፍ(ምብራዝ)”፣ “ተዕጢል(ዘይግቡእ ምንፃግ)”፣ “ተክይፍ(ከመይ ከይበልና)”ን “ተምሢል(ምምስሳል)” ከይገበርናን ኽነፅንዕ ከሎና ማለት እዩ። እቲ ቅኑዕ እዚ እዩ ኢልና ካብ ፈለጥና እቲ “ኢልሓድ” ንብሎ ኸዓ ናይዚ ተፃራሪ ይኸውን። ዑለማታት ኢስላም “ኢልሓድ” ከም አስማትን መግለፅታትን ከመይ ከምዝኾነ ብዓይነታቱ ገሊፆሞ እዮም፤ “ክትአምን ግቡእ ካብዝኾነካ ምጥዋይ” እንተይልና ብሓፈሻ ዘጠቓልል ይኾነልና።

ቀዳማይ ዓይነት ኢልሓድ: ካብ መግለፅታት ረቢ አይቅበልን ኢልካ ምንፃግ። ንአብነት ልክዕ ከምቲ ጃሂሊያታት ዝገበሩዎ “ራሕማን” ዝብል ሽም ምንፃግ። ወይለ ነቲ ሽም ተቀቢልካ ንዘለዎ ትርጉም ምንፃግ ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት ቢድዓ “አላህ ‘ረሒም’ ንበሎ እምበር ትርጉም ናይ ረሒም ‘ራህራህ’ ናቱ መግለፂ ከይኮነ።” ከምዝብሉዎ። “አላህ ‘ሰሚዕ’ እዩ ትርጉም ናይ ‘ሰሚዕ’ ‘ዝሰምዕ’ ናቱ መግለፂ ከይኮነ።” ዝአምሰሉን ከምዝብሉ።

ኻልአይ ዓይነት: አላህ ዓዘ ወጀል ንዓርሱ ብዘይፀወዓሉ ሽም ምፅዋዕ ፤ እዚ ኢልሓድ ዝኾነሉ ምኽኒያት ድማ ናይ አላህ ሽም “ተውቂፍያ” (ካብ ረቢ መወከሲ ክሳብ ዘይመፀሉ ንዕቀበሉ) ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሽም ኸፅንዕ እንተኾይኑ ግድን አላህ ንዓርሱ በቲ ሽም ዝፀወዐ ምዃኑ ከረጋግፅ ግቡኡ እዩ። ምኽኒያቱ እዚ እንተዘይኾይኑ ብዛዕባ አላህ ዘይፍልጠትካ ምዝራብ ስለዝኾነ። ምስ አላህን መሰሉን ድማ ፅልኢ ምፍጣር እዩ። እቶም ተፈላሰፍቲ ዝበሀሉ ንአላህ ‘ፈፃሚ ምኽኒያት’ ኢሎም ከምዝፅውዕዎ። ወይለ እዞም ክርስቲያን ንአላህ ‘አብ/አቦ’ ከምዝበሉዎ ማለት እዩ።

ሳልሳይ ዓይነት: እዚአን መግለፅታት አላህ ምስ ፍጡራን ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ጌርካ ምሕሳብ። እዚ ኢልሓድ እዩ ዝበልናሉ ምኽኒያት ድማ ብቁርአንን ሓዲሥን ዝመፁ መግለፅታት አላህን ምስ መግለፅታት ፍጥረት ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ጌርካ ምሕሳብ ቃል አላህን ልኡኹን ናብ ኩፍሪ ዝሕብሩ ከምዝኾኑ ጌርካ ከም ምሕሳብ ማለት እዩ። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ምስ ፍጥረታቱ ምምስሳል ኩፍሪ ስለዝኾነ። ነቲ አላህ ብቁርአኑ ንዑኡ ዝመስሎ ነገር የለን፤…” (ሹራ 11) ብዝብልን ንሽሙ ተመሳሳሊ ሽም ዘለዎ ትፈልጠሉ ዶ?”(መርየም 65) ቃል አላህ ምኽሓድ ስለዝኾነ። ኑዐይም ቢን ሓማድ ናይ ቡኻሪ ሸይኽ ከምዝበሉዎ “ንአላህ ምስ ፍጥረታቱ ዘመሳሰለ ብርግፅ ኽሒዱ እዩ፤ አላህ ንዓርሱ ዝገለፀሉ መግለፂ ዘይተቀበለ ብርግፅ ኽሒዱ እዩ፤ አላህ ንዓርሱ ብዝገለፀሉን በዝፀወዖን ተመሳሳልነት ዘለዎ የለን።”

ራብዓይ ዓይነት: ካብ አስማት አላህ ወሲድካ ንጣኦት ምግባር። ንአብነት ‘አላህ’ ካብ ዝብል ሽም ’ላት’ ወሲድካ ንጣኦት ምግባር፤ ‘ዓዚዝ’ ካብ ዝብ ‘ዑዛ’ ኢልካ ምውሳድን ንጣኦት ምግባርን። እዚ ኢልሓድ እዩ ዝበልናሉ ምኽኒያት ድማ ናይ አላህ ሽም ንበይኑ ስለዝኾኑ እዘን አስማት ካብ ዘለወን ትርጉም ሰንጢርካ ብምውፃእ ንፍጥረት ምግባር ስለዘይከአል እዩ። አላህ ንበይኑ ዝገበሮ ነገር ኸዓ ንኻሊእ አሕሊፍካ ምሀብ አይፍቀድን። ብሓፈሻ ዓይነታት ኢልሓድ ከም አስማትን መግለፅታትን ረቢ እዚአን እየን።

እዋናዊ